top of page

ProZ Pro Bono ብሓፂሩ

መብዛሕትኡ እዚ ዌብሳይት ብእንግሊዝኛ እዩ፣ እንተኾነ ግን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ መሓዙታትናን ዓማዊልናን ብዛዕባ እዚ መደብ'ዚ ብቋንቋኦም ንኽፈልጡ ዕድል ክንህቦም ደሊና። እዚ ኣብ ታሕቲ ዝርከብ ገፂ ነቲ ፕሮጀክት፣ ነቶም ዝተሳተፉ ሰባትን ድርኺቱ እንታይ ከምዝነበረን ይገልጽ። ካብቶም ኮኾብ ወለንተኛታትና ብዝተወሰኑ እዩ ተተርጒሙ። ብኽብረትኩም ብዝደለኹምዎ ቋንቋ ክትጽሕፉልና ከምእትኽእሉ ኣስተብህሉ ንሕና ድማ ብተመሳሳሊ ቋንቋ ክንምልሰልኩም ኢና።

ProZ Pro Bono ብሓፂሩ

እንታይ፣ መን፣ መዓስ፣ ኣበይ፣ ስለምንታይ?

እንታይ?
ProZ Pro Bono ፕሮግራም ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ማሕበረሰብ ሞያውያን ናይ ጽሁፍ ተርጐምትን ናይ ድምጺ ኣስተርጐምትን ዝኾነ ProZ.com ዝተጀመረ፣ ካብ ገንዘብ-ነፃ ዝኾነ ናይ ግብረ ሰናይ ተበግሶ እዩ። እዚ ፕሮግራም እዚ ሞያውያን ቋንቋ ምስ ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ትካላትን ናይ ፅሁፍ ትርጉም ከምኡ'ውን ናይ ድምፂ ምስትርጓም ኣገልግሎታት ዘድልዮም ውልቀሰባትን ዘራኽብ ኮይኑ፣ ኩሉ ድማ ብወለንታ እዩ። ProZ.com በዚ ፕሮግራም እዚ ኣቢሉ ዓለምለኻዊ መርበብ ናይ ቋንቋዊ ደገፍ ብምፍጣር፣ ትሑት ኣገልግሎት ንዝረኽቡ ማሕበረሰባት ኣገዳሲ ሓበሬታን ኣገልግሎትን ንክረኽቡ ይሕግዝ።

መን?

ProZ Pro Bono ፕሮግራም ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ትካላት የገልግል፣ እዚ ድማ ናብ ብዙሕ ቋንቋታት ዝዛረቡ ማሕበረሰባት ክበጽሑን ድሩት ጸጋታቶም ኣብቲ ቀንዲ ተልእኾኦም ንዝኾነ ትሑት ዕድል ዝተወሓቦም ሰባት ንምግልጋል ከውዕልዎን የኽእሎም። እቲ ናይ ፅሁፍ ትርጉምን ናይ ድምጺ ምስትርጓምን ስራሕ ብዝተመዝገቡ ኣባላት ProZ.com ሞያተኛታት ቋንቋ ዝካየድ እዩ። እዞም ውልቀሰባት፣ ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ክእለቶም ብነጻ ብምቕራብ ኣወንታዊ ፅልዋ ንምፍጣር ኒሕ ኣለዎም። ብኣባላት ProZ.com እዩ ናይ ገንዘብ ደገፍ ዝግበረሉ።

ኣበይ?

ProZ Pro Bono ፕሮግራም ብዓለምለኻዊ ደረጃ ይሰርሕ። ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ሞያውያን ቋንቋን ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ትካላትን ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ፕሮግራም ነቲ ናይ ProZ.com ቨርቹዋል ባህሪ ብምጥቃም፣ ዶብ ሰጊሩ ምትሕብባር የኽእል። ወለንተኛታት ኣገልግሎቶም ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም ከምኡ'ውን ተጠቀምቲ ጂኦግራፊያዊ ቦታኦም ብዘየገድስ ሓገዝ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።

መዓስ?

ProZ Pro Bono ፕሮግራም ቀጻሊ ተበግሶ ኮይኑ ምስታፍ ድማ ኣብ ሙሉእ ዓመት ይከኣል እዩ። ሞያውያን ቋንቋ ኣብ ዝኾነ እዋን ከም ወለንተኛታት ክምዝገቡ ይኽእሉ እዮም ከምኡ'ውን ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ትካላት ወይ ሓገዝ ዘድልዮም ውልቀሰባት ኣብ ዘድልዮም እዋን ሕቶታቶም ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ኣብ ግዜ ዝህሉ ተዓጻጻፍነት ንህጹጽ ቋንቋዊ ጠለባት ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ የኽእል።

ስለምንታይ?

ProZ Pro Bono ፕሮግራም ነቶም ብኻልእ ኣገባብ ኣገደስቲ ሓበሬታታትን ኣገልግሎታትን ንምቕራብ ወይ ንምርካብ ክፅገሙ ንዝኽእሉ ሰባት ናይ ቋንቋ ፍልልያት ንምፍታሕ ኣገዳሲ ዕላማ ብምሓዝ የገልግል። እዚ ድማ ምስ መሰረታዊ ክብርታት ProZ.com ዝኾኑ፣ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ናይ ጽሁፍ ተርጐምትን ናይ ድምጺ ኣስተርጐምትን ምትሕብባርን ደገፍን ምድንፋዕ ከምኡ'ውን ኣብ ዓለም ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ምምጻእ ዝሰማማዕ እዩ። እዚ ፕሮግራም እዚ ኣብ መላእ ዓለም ምርድዳእ፣ ርክብን ተበፃሕነት ሓበሬታን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ሰፊሕ ተልእኾ ዝፍፅም እዩ።

እቲ ፕሮግራም ክኢላታት ቋንቋ፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ወሳኒ ኣገልግሎት ንምሃብ ክእለቶም ብወለንታ ክህቡ ዘኽእሎም ርህሩህን ፅልዋ ዘለዎን ፃዕሪ እዩ። ኣብ ProZ Pro Bono ፕሮግራም ዝርከቡ ወለንተኛ ናይ ጽሁፍ ተርጐምትን ናይ ድምጺ ኣስተርጐምትን ንውልቃዊ ረብሓ ዘይኮነስ ኣብ ህይወት ናይቶም ናይ ቋንቋ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣወንታዊ ጽልዋ ንምፍጣር እዮም ክእለቶምን ፍልጠቶምን ዘበርክቱ።

ናይ ሃገርኩም ወይ ቋንቋኹም ኣምባሳደር እንተሓልዩና ንምፍላጥ ኣብ ገጽ ኣምባሳደራት ርኣዩ!

Translated by: Kaleab Fitsumbirhan / ትርጉም ብቃልኣብ ፍፁምብርሃን ቢሆን

bottom of page